Friday, 10 July, 2020

ባሕሪ ሜዳኣ ሰማይ ዳኝኣ – መርከብ


በርሀ ኣረጋይ (ጋዜጠኛ)

ቃልሲ መብረድ እዩ፡፡ ኣብ ሕድሕድ ካልኢታት ዝፍፀም ተጋድሎ ብመስዋእቲ ተሰንዩ ነታ ቀፃሊት ተስፋ ይስሕል፡፡ ኣብ ሕልና ጅግና ወያናይ ሓቦን ትብዓትን ሰኒቑ በጃ ህዝቢ ንምዃን ዘሎ ወነ የብልሕ፡፡ ወያናይ “ሀ” ኢሉ ንዝተበገሰላ መትከል ከይትኽበስ ምእንቲ ድቃስ ዝሓረማ ንግዝያዊ ባህታ ዘይትግዛእን ዘይትምብርከኽን ነብስን ስብእናን ይፈጥር፡፡  ቃልሲ ብዙሓት ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መስመር ዘርብብ መፍተል እዩ፡፡ ፋሕ ጭንግራሕ ዝበሉ ኣተሓሳስባታት ናብ ሓደ ስሙር ኣረኣእያ ዝጥርንፍ፣ ካብ ቅኑዕ ጉዕዞኡ ዘፈናቕሉ መርገፅታት ብሓይሊ ርትዒ ፀሪቡ ዘስትኻኽልን ስነ መጎታዊ ሃልክን መትከላዊ ፅንዓትን ዝጠልብን እዩ፡፡ ቃልሲ፣ ህዝቢ ከም ብሌን ዓይኒ፣ ዓይነ ብርክንን ቅልፅምን ኮይኑ ዝንቀሳቕሶ ንዝሓሸ ህይወት ፅባሕ መላምል ደቂ ህዝቢ ዝግበረሉ እዩ፡፡ 

ትርጉም ቃልሲ ምእንተ ብመልክኣ ምድሪ፣ ባህልን ቋንቋን፣ እምባን ኮርባን ዝተደረተ ውሱን ህዝቢ ምስዋእ ጥራሕ እንተይኮነስ በይዛ ፃምእ ፍትሒን ማዕርነትን ስእነት ልምዓትን ዝተሳቐዩ ብሄር፣ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ንምስዋእ እውን እዩ፡፡ ምእንተ ህዝባዊ ዕላማ ሞትካ ኣብ እትምነየሉ ርሱን መቕሎ ኣብ ዝመስል መፃብብ ኣቲኻ ብፅንዓት ምኩሻሕ እዩ፡፡ በዚ ፈተናን ውፃእ ውረድን ኣተሓሳስባ ፀሪቡ ህዝባዊ መስመር ዘሐንግጥ ብመዘውር ድሌት ህዝቢ ዝንቀሳቐስ ዓጋቲ ኣልቦ ማዕበል እዩ፤ ቃልሲ፡፡ ህዝቢ ትግራይ እውን እዚ እዩ ገይሩ፡፡ ነዚ እንትገብር ግና ንሱ ኣብ ሰገነት ሃፍቲ ተቖሊሉ ምእንተ ብማዕዶ ዝሪኦም ካልኦት ውፁዓት ህዝብታት ዝገብሮ ቃልሲ እንተይኮነስ ከም ህዝቢ ህልውናኡ ዝፃብኡ ኣእላፍ ፈተናታት ኣብ እንግድዓኡ ተዳዕኒኑ እንተሎ እዩ፡፡ ነዚ ኣብ ታሪኽ ወያነታት ዓለም መስተንክር ዝተብሃለሉን ኣኻውሕ ፃዕዳ ወረቐት ኮይኖም ባሕርታት ብቀለም ብርዒ ተተኪኦም እውን ዘይስንድዎ ዛንታ ጅግንነት ሕድሕድ ገዛ ትግራዋይ ኪነት ትግራይ ብዝግባእ ኣይገለፆን፡፡ ኪነት ግን ኣብ ባሕሪ ከብድና ዝተቐመጠ ስምዒት፣ ታሪኽ፣ ጅግንነትናን መንነትናን ጓሕጒሑ ንዓለም ክነግረልና ሓይሊ ነይርዎ።

ጥበብ ልዕሊ ኩሎም ሓይልታት ጥዑይ ማሕበረሰብ ኣብ ምቕራፅ ልዑል ኣበርክቶ ዘለዎ ረቂቕ ሓይሊ እዩ፡፡ ብፍላይ ጥበብ ሙዚቃ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝርከቡ ብቋንቋ፣ ባህልን ልምድን ዝተፈላለየ ኣገባብ መነባብሮ ዘለዎም ሰባት ከፍቅሩ፣ ክፀልኡ፣ ብስምዒት ክበኽዩን ክስዕስዑን ዝደፋፍእ ጥሉል ቋንቋ ህዝብታት ዓለም ኮይኑ ንረኽቦ፡፡ ንስምዒት ሰባት ብዘለዎ ቅርበት እውን ማሕበራዊ፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኣተሓሳስባታት ኣብ ምቕራፅ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ሓይልን ተኽእሎን ኣለዎ፡፡

ሓደ ማሕበረሰብ ኣብ ህይወት ገዛ ዓርሱ ዘለዎ ፍልስፍና፣ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘለዎ ሚዛን ሓልዮትን ምሕዝነትን፣ ንሃገሩ ዝህልዎ ጦብላሕታ ፍቕርን ግቡእን፣ ኣመፃፅኣ ታሪኹን መንነቱን፣ ባህሉን ወግዑን ኮለል ኣቢሉ ዘርኢ መነፀር እዩ፡፡ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝነበረ ዛንታ ጥበብ ሙዚቃ እኳ እንተርኢና ኪነት ሕልና ሕብረተሰብ ኣብ ምቕያርን ኣብ ምልዕዓልን ናይ ባዕሉ ዝኾነ ብፅሒት ተፃዊቱ እዩ፡፡ ህዝቢ ክዓጥቕ፣ ክውደብ፣ ክነቅሕ ወነ ቃልሱ ተቐፃፂሉ “ኣይሰዓርን” ዝብል ፅኑዕ መትከል ኣሐንጊጡ እዩ ጥበብ ሙዚቃ፡፡ ክሳብ ሐዚ ዝካየዱ ዝነበሩ ጉባኤታት ውድብ ህወሓት እንተኾኑ እውን መምስ መድረኽ ከተኣሳስሩ ዝኽእሉ ምህዞታት ጥበብ ሙዚቃ ተዓጂቦም ኣብ ልቦና ተሳተፍቲ ክኽተሙን ጦብላሕታ ክፈጥሩን ክኢሎም እዮም፡፡ ሓይሊ ኪነት ሚልዮናት ኣብ ቅኑዕ መስመር ኣሰሊፉ ዓወት ከምዘጨብጥ ካብ ህዝቢ ትግራይ ንላዕሊ ምስክር የለን፡፡ 

ጥበብ ኣብ ስነ ልቦና ሰባት ክንድዚ ዝኣክል ተፅዕኖ ክፈጥር እንተኾይኑ ሓይሊ ጥበበኛ የድልዮ፡፡ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ግን ባዕሉ ትግበራኡ ጥበብ እዩ፡፡ ታሪኽን ጅግንነትን ወያናይ ሓቦን ህዝቢ ትግራይ ሌጣ ሓሳቡ ኣፍ ብዙሓት ብኣድናቖት ኣፍ የኽፍት፡፡ ወለዶታት ኣብ ፅኑዕ መስመር ፈቲሉ ዝሰመሩ ውሑዳት፣ ዘይዕተሩ ቅልፁማት ወለዶታት እናሃነፀ መፈናተቲ ፀላእቲ የስእን፡፡ ነዚ ማዕረ ከበድቲ መዳፍዕ ተዋጊኡ ህዝቢ ኣብ ዓንኬልን ኣስኳልን ህዝባዊ ዕላማ ብስጡም ወነ ሰፍዩን ረቢቡን ናሕሲ ዓወት ክንነክእ፣ ዓለም ብዓለማ ድኽነትና ረሲዑ ጅግንነት  ክትስክር፣ ህዝቢ ትግራይ ሰፍ ዘይብሉ ፀውራታት መንገዲ ህይወት ተሸኪሙ “ደጊም እዚ ህዝቢ ጠፊኡ” እንትብልዎ ብድድ ክብል ዝገበረ ኪነት ሰብዋናኡ ከየንቲ ነይረምዎ፡፡ ካብቶም ብዙሓት ገብረስላሰ ብርሃነ ( ሹምየ)፣ እያሱ በርሀ፣ ብርሃነ ጋኖ፣ ማሚት ሓላፋይን ካልኦትን ዘመን ዘይብድሆ ስራሕቶም ኣብ ብዙሓት መፍቀርቲ ሙዚቃ ተሰኒዱ ይረአ፡፡

ነዚ ብዕምቆት ንምርዳእ ዛንታ ጉጅለ ባህሊ ህወሓት ኣፀቢቕካ ምርዳእ የድሊ። ባሕሪ ዛንታ እታ ጉጅለ ጨሊፍካ ዝውጋዕ እውን ስለዘይኮነ ጠብታ ታሪኻ ብሓንቲ ስራሕ ተጋዳላይ ሹምየ ኣቢለ ከዘክረኩም፡፡

ሹምየ እንትደርፍ ንፉዕ ሓረስታይ እዩ ዝመስለኒ፡፡ ጎርናን ድምፁ ብቅላፀ ሓረስታይ ዓድና እንትደርፍ “ኪነ ጥበብ ምምስል ከይኮነስ ምዃን እዩ ዝደሊ፣ ክትነብረሉ እምበር ክትፀንሐሉ የብልካን” ዝብል ዘረባ ቅጅል ይብለኒ፡፡ ሹምየ ስነ ቃል ህዝቢ ትግራይ ኣፀቢቑ ይፈልጦ፡፡ ናይዚ መርኣይት “መሬተይ” ኣብ ዘርእስታ ሙዚቃዊ ድራማ ዘርአዮ ብቕዓት ሓደ ምስክር እዩ። ኣብታ ድራማ ዝተሃንፀ ስድራ እንዳ ኣቦይ ሽሙዬ ዓርሓ ተዋሳኢ ኰይኑ ሰሪሑ። ብድሕሪኡ ሽሙዬ ዝብል ስም ለጊቡዎ፤ክሳብ ሎሚ ሽሙዬ እምበር ገብረስላስ ኢልካዮ ቆላሕ ኣይብልን።

ኣብታ መሬተይ ትብል ድራማ ዝተላበሶ ገፀ ባህሪ ንብዙሓት ብዘስደምም ኣብ ልዕሊ ገባር ትግራዋይ ዝወርድ ዝነበረ ማእለያ ዘይብሉ ወፅዓን ዓፀባን ግልህልህ ኣቢሉ የንፀባርቕ። ብላይ ክዳን ለቢሱ፣ሳእኒ ገባር ወድዩ ቁርማም ባርኔጣ ንማለቱ ኣብ ርእሱ ደፊኡ ዓርጣም ምርኩሱ ኣብ ግራት ተኺሉ ምስ ዓባይ መሬት ይውግዕ። ብኣሽሙርን ላግፅን ንመሳፍንቲ ይሕነ።

“ድኻ ድኻ ትድኽደኽ እኖኻ

ኣፅገብካዮም ሰረኛ ባዕልኻ

ፅራይ ሰትዮም ሓተላ ዝህቡኻ

እቲ እኳ እንተፈትዮሙኻ፤

ግርህነትካ ድዩስ ድኽነትካ

ዘቃበጠርካሎም ንዘይናትካ”

ብምባል ዓንፆ ዓንፆ ንባዕሉ ይነቅፍ።

ሓረስታይ መሬቱ ስኢኑስ ግራት ጐይቶት ክሓርስን ክባሩን ይግደድ። ተበዲለ ኢሉ እንተኸደ እውን ሰማኢ የብሉን። እዚ ብቅኔያዊ ኣገላልፃ ይኹንኖ።

“ጉድ እዩ እኮ ናይ ለምዘበን ቀውዒ

ህዝቢ አእወየ መን እሞ ሰማዒ

ናብ ደያኑ እንተኸድና እንድዒ

ጅነ(ገንዘብ) እንካ ደለዩ መቃልዒ

ጅነ እውን ሂብካዮም ኣይረባሒ

ጠስሚ ፅዒንካሎም ኣይቀያሒ

ምስ ዓለቕታ ዶ ማይ ትጣዒ

ንማሕረሻ ፀቐጠታ ብርዒ”

ኣብዚ ስራሕ ሓይሊ ጥበብን ስነ ቃልን ጥራሕ ከይኮንናስ ወፅዓ፣ ስእነት ፍትሒ፣ ጭቆናንን ኣብ መወዳእታ ዓመፅን የመላኽት፡፡ እዚ ሹምየ ብመልክዕ ሙዚቃ ዝገለፆ ድምፂ ህዝቢ ክንደይ ስሚናራት መወድአ ይመስለኩም?

 እታ ጉጅለ ማህፀና ብሩኽ እዩ ነይሩ፡፡ ካልእ ብርዕን ወረቐትን ማዕረ መድፍዕን ጥይትን ዝዓጥቀን ገጣሚ፣ ዘያሚን ድምፀ መረዋሕን ከያኒ እያሱ በርሀ ድማ ነይርዋ፡፡ እያሱ ኣብ ስራሕቱ ብፆት ሓቑፋ ንዝተቐበለት ደደቢት ህልውናኦም ይሓታ፣ እምባታትን ሩባታትን ትግራይ ውዕሎ ገድሊ

ጅግና ነይሩ ዘብሮከ ኣብ ዳዕሮኪ
ይህልዉ ደደቢት ምሳኪ

ኢሉ እናስቆንቆነ መልሲ ክነግርዎ ይምሕፀን፣ ካብ ዊዳኽ ክሳብ ገረብ ዓረና፣ ካብ ኣንከረ መደባይ ክሳብ በረኻ ኣሕስኣ፣ ካብ ገርሁ ስርናይ ክሳብ ዓጋመ፣ ካብ ታባታት ዲማ ማርዋ ክሳብ ወርዓትለ፣ ካብ ሰበያ ክሳብ ኣድያቦ ዝሓለፈ ወርቃዊ ተጋድሎ መልሱ ይሓትት፡፡

ኣብዚ ነይሩ ዶ ኣቲ በልኪ ዊዳክ
ዓረና እናበለ ኣብ ወሰን ሻክ
ትዝ’ዶ ይብለኩም ኣንከረ መደባይ
ቁኑን ጨጉሩ እንትኣትወኩም ብፃይ
ቆልዑ አሕስኣ ኔርኩም’ዶታ ኣብ ቀብሪ
ሃፍቶም እንትድበ ቀትሪ ምድሪ

ካብ ተምቤን ክሳብ እንደርታ፣ ካብ ኣኽሱም ክሳብ ክልተ ኣውላዕሎ፣ ካብ ራያ ክሳብ ወልቃይት፣ ካብ በረኻታት ወርዒ ክሳብ እምባታት ዓድዋ ኮሊሉ ብፆቱ ዝኸፈልዎ መስዋእትን ዝሰርሕዎ ወርቃዊ ታሪኽን እናሓተተ ይምልስ፡፡ ከምዚ ድማ ይብል፡-

ዲማ ማርዋ ወርዓትለ አዕሪፋ
ኣርሒቁ ክእምት ቃል ፅሒፋ
ትፈልጡዶ ሰበያ ኣታ ሽዑ
እዋን ሙጉት ዝወዓልኩም ምስኡ
ሓመድ ትዛረቦ ዛንታ ኣድያቦ
ደማዊ ኵናት ኢድዩ ደም ይፅገቦ
ተንቤን እንደርታ ኣክሱም ክልተ ኣውላዕሎ
ራያዶ ወልቃይት ዘይውዓሎ
ከም ኣቡኡስ ዓድዋ እንዶ ውዒሉ
ደም ወሪሱ ኣይዳነን ኢሉ ።

ክኮለኩም ዶታ እምባታተይ
ክሓተኩም ዶታ ሩባታተይ
ጎላጉል ናይ ዓደይ።

ደርፍታት ጉጅለ ህወሓት ከምዚ ርዝነት ነይርዎም፡፡ እያሱን ሹምየን ከምኣብነት ኣልዒልና እምበር ዛንታ ጉጅለ ህወሓትን ከየንታን ባሕሪ እዩ፡፡ እምበር ተጋዳላይ ዝብል ህቡብ ድምፃዊ ኣበበ ኣርኣያ ኸ ንምንታይ ረሲዕኻዮ ኣይትበሉ፡፡ ቀዲሕኻ እንተዘይተወድአ ምዝኽኻሩ ስለዝምረፅ እዩ፡፡

እዚ ሕሉፍ ወርቃዊ ታሪኽ ተጋደሎ ማዕረ ስፍሓቱ ብርዒ ኣልዒልካ ኣይሰነድ እምበር ብጥበብ ሙዚቃ ኣቢሎም ዛጊድ ሕሉፍ መስተንክራዊ ታሪኽና ዝነጉርና ከየንቲ ኣይተፈጠሩን ማለት ኣይኮነን፡፡ ካብቶም ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብዓይነ ሕልናኦም ኣስሊሖም ብተምሳሌትን ምዑዝ ቋንቋን ክገልፅዎ ዝፈተኑ ደረፍቲ ሓደ ሰለሙን ወዲ ባይረ እዩ፡፡ ብርግፅ ድምፃዊ ንጉሰ ጊደይ፣ ግርማይ ጨካንያ፣ ፀጋልኡል ሃይለማርያምን ካልኦት ድምፃውያን እዚ ሓዱሽ ወለዶን ንወያነ ትግራይ ፅንዓቱን ትረቱን ብብዙሕ መልክዑ ገሊፆምዎ እዮም፡፡ ይኹን እምበር ፃምእ ጥበቡ ንምርዋይ ኣብ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ተወዲቡ ብሞያ ኪነት ኣብቲ ማሕበር ዝዓበየን ውፅኢት እቲ ማሕበር ዝኾነን ወዲ ባይረ “ሰላማዊት መርከብ” ዘርእስታ ደርፉ ብርዝነት ሓሳባታ ፈሊና ክንሪኣ መሪፀ፡፡

ድምፀ መረዋሕ ሰለሙን ባይረ፤ ኣብ ከተማ ኣስመራ እዩ ተወሊዱ ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስኣኸለ እውን ብርዕን ወረቐትን ተሓንጊጡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ከተማ ኣስመራ ቀለም ማእሪሩ፡፡ ህይወት ትምህርቱን ቁልዕነቱን ምስ ደቂ ኣስመራ ኣሕሊፍዎ። ገዛ እንዳቦይ ባይረ ብጥበብ ዝመሰሳ ንፉዕ ሙዚቀኛን ደራፍን ንዓብዪ ሓዉ ኣብርሃም ባይረ ኣብ መንገዲ ስነ ጥበብ ህይወተይ መሪሕ ተራ ኣለዎ ይብል፡፡ ታሪኹ ድማ ወዲ ባይረ ህፀፃን እንከሎ ዓብዪ ሓዉ ኣብርሃም መናእሰይ ኣስመራ ዝፈልጥዎቦክስ ጊተርንክራርን ተሓንጊጡ ስለ ፍቕሪ፣ ተስፋ፣ ህይወት እንትደርፍ ይዕዘብ፡፡ በዚ ድማ ጥበብ ሙዚቃ ካብ ቁልዕነቱ ኣብ ልቡ ዝሓደረን ንካልኦት ውሽጣዊ ባህግታቱ ስዒሩ ዝወፀ ድሌት ጥበብ ኮይኑ ኣብ ውሽጡ ሓዲሩ። ሙዚቃን ደቂ ባይረን ኣብ ቤት ኣይተ ባይረ ክሓድሩ ጀሚሮም። ይኹም እምበር ኣብርሃም ንእሽተይ ሓዉ ክራር ኣልዒሉ ሙዚቃ ምጅማሩ ሕጉስ ኣይነበረን።ንትምህርቲ ኣሉታዊ ፅልዋ ክህልዎ እዩ ካብ ዝብል ሓሳብ “ኣታ ቆልዓ በርቲዕኻ ተምሃር ዝብል ማዕዳኡ ዕለታዊ ይነግሮ ነይሩ። ንእሽተይ ወዲ ባይረ ግና ነዚ ዝሰምዕ እዝኒ ኣይነበሮን። ድሌት ሰለሙንንን ማዕቐብ ኣብርሃምን እናተኻትዑ ኣብ ዝኸድሉ ህሞት ሓደ መዓልቲ ክራር እናተፃወተ ረኸቦ። በዚ ዝተናደደ ኣብርሃም ክራር ንኡስ ወዲ ባይረ ፈናፂሑ ደርበያ። ሰለሙንን ሙዚቃን ግና በዚ ኣይተፈላለዩን። ኮይኑ ግና ምስ ደቂ ኣስመራ ዝፈልዩ ሓደ ነት ተፈጢሩ። ኲናት ኢትዮኤርትራ ስዒቡ ናብ ትግራይ ክመፅእ ግድን ነይሩ። በዚ ድማ ግንቦት 1993 / ከተማ መቐለ ኣትዩ።

ከተማ መቐለ ንወዲ ባይረ ምስ ብዙሓት ጥበበኛታት እያ ተቐቢላቶ። ምስ ቅድም ኢሉ ዝፈልጦም ሙዚቀኛታት ድሌት ባንድ ብሓባር ኮይኑ ኣብ መላእ ትግራይ ስለትግራይ፣ ፍቕሪ ህይወት፣ ተስፋን ድኽነትን ዛዕባ ብዝገበሩ ስራሕቱ እናተፈልጠ መፂኡ፡፡ ኣብ መወዳእታ እውን እምነት ዘርእስቱ ስራሕ ገፀ በረከት ንመድምፅቲ ኣበርኪቱ። ድሕሪ ግዜ ሜጋ ኪነጥበባት ማእኸል ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ሓደ ኣልቦም ስርሑ።ልዕሊ ኩሎም ባህልታተይ ትግራይ እያዝብል ውዲ ባይረ ካብ እፀጳጦስ ክሳብ መርከብ ዘርእስተን ፍቕሪ ገድን ምስ ገድሊ ጉዕዞን ህዝቢ ትግራይን ዝገልፅ ብዙሓት ስራሕቲ ኣብ ሕልና ሚልዮናት ኣለዉ። ምስ ንፉዓት ሙዚቀኛታት ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ልምዲ ዘለዎ ወዲ ባይረ ኣብ ልቢ ብዙሓት ዝሓደሩ ጣዕመ ዜማታት ንህዝቢ ኣበርኪቱ ኣሎ።ልዕሊ ኩሉ መንእሰይ ኣብ ትግራዋይነቱ ከይተደራደረ ዓዱ ክሕሉ ኣለዎ፣ ነብስኻ ትፈቱ እንተኾይንካ ዓድኻ ክትፈቱ ግድን እዩ፡፡ ብዘይካ ፍቕሪ ዓዲ ዝህሉ ናብራ የለን” ድማ ይብል። 

ብዓይነ ሕልናኹም እናርአኹም ብእዝነ ሕልናኹም ብምድማፅ ምስ ጦብላሕታ ሓሳብ ፅሑፈይ ምሳይ ንምጉዓዝ ናብታ ሰላማዊት መርከብ እተዉ፡፡ ወዲ ባይረ “ሰላማዊት መርከብ” ኢሉ ዝሰየማ ብሕራነን ተስፋን ዝደርፈላ መርከብ፣ እታ ንስኹም ማዕረ ብሌን ዓይንኹም እትሕልዉዋ፣ ብደምኩምን ደም ኣያታትናን ጩራ ሰላምን ዴሞክራስን ረኺባ ማእኸል ፖለቲካን ኢኮኖምን ኣፍሪካ እትኸውን ዘላ ግን ድማ ማእለያ ዘይብሎም ፈተናታት ኣብ ዝባና ዝተዳዕነነት ትግራይ እያ፡፡

ኣብታ ደንበ ኩሎም ስልጣነታት ዓለም፣ ማእኸል ውቁብ ባህልን ታሪኽን፣ ኣዳራሽ እምነት ክርስትናን ሕቑፊ ካልኦት እምነታትን ሰላማዊት መርከብ ውሽጢ ምእንተ እዚ ሰላማዊ ምህዳር ደሞምን ኣዕፅምቶምን ዝሓምሸሹ ጀጋኑ ሰማእታት ኣለዉ፡፡ ጋምባለን ዝናርን ዓጢቖም ጅግንነትን ኣይግዛእን በሃላይነትን ዘምሃሩ ምእንተ እዚ ክቡር ኣካሎም ዝኸፈሉ ኣቦታት ተሳፈርቲ እዮም፡፡ ደቃ መሪቓ ናብ ሃልሃልታ ኵናት ዝሰደደት ፅንዕቲ ኣደ ትግራይ፣ ነዚ ቃልሲ ባሕርን ጫፍ ብልሕን ኮይኑ ኣብ ጫፍ ዓወት ዘብፀሐ ህዝቢ ትግራይ ብትእምርቱ ኣብታ መርከብ ከምዘሎ ሕሰቡ፡፡ ደረትን ዓቕሚ ትሕዝቶን እታ መርከብ ታሪኽ ጅግንነት ዘመናት ህዝቢ ትግራይ ዘዘንቱ ጭብጢ ዘለዎ ረቀቕቲ ሓሳባት ዝሓዘ ምዃኑ ነጋሪ ኣየድልየኩምን፤ ኣዳምፅዎ፡፡ ጉዕዞና ክንጅምር እትው እትው በሉ፡፡ ድምፂ እቲ ሙዚቃ ብዓውታ ነዳምፆ፡፡ ነዛ ሰላማዊት መርከብ ብቕብብል ወለዶታት ብጅግንነት እናገንሑን እናቐዘፉን ዝመፁ መራሕቲ ኣብ ሕልናና ይንበሩ፡፡  ትሕዝቶ ግጥሚ እታ ዜማ እናተንተንና ኣብታ ሰላማዊት መርከብ ንኺድ፡፡ 

ኣብታ ዜማ መረዋሕ ድምፂ ወዲ ባይረ ተጎዝጊዞም ዘለዉ ረዘንቲ ግጥምታት ኣብ ሓደ ጦብላሕታ ሓሳብ ትግራዋይነት ሓሚስካ ክትወፅእ ይዕድሙኻ፡፡ ትግራይ ብመርከብ መሲሉ ኣብቲ ረዳኢ ዘየብሉ ፀምፀም ሰፊሕ ባሕሪ ብህቦብላ ማዕበል እናተፈተነት ጥሒሳቶ እንትትሓልፍ የርእየና፡፡ ዋላ እኳ እቲ ብሰማይ ጠቀስ ቁመት ኣብ ጎድናን ቅድሚኣን ዝዕንድር ማዕበል ዓቢጡ ከጥፍኣ ንረኣዪ ዘደንግፅን ህልውናኣ ዘጥፍእን እንተመሰለ እቲ ማዕበል ኣመሉ እዩ፤ እታ መርከብ ብሳላ ልሙድ ፅንዓታ ካብዚ ዘይውፃእ ዝመስል መፃብብ ምውፃኣ ኣይተርፍን፡፡ ነዚ ሓሳብ ብተለላታት ግጥሙ ከምዚ ይብል፡፡

ትጓዓዝ ላ መርከብ ናይጉዕዞ

ማዕበል ይደፍእ ንሳ ትጥሕሶ

ማዕበል ኩሉሻዕ ምስኣ

ንሳ ግን ትፍተን እምበር

ትንገላታዕ ብዓቕማ

የማን ፀጋም እንዳበለት

ክትሰግሮ ’ያ ንባሕራ፤

ኣብዚ ዜማ ፍካርያዊ ትርጉም ዘለዎም ትግራዋይነትን ትግራይን ዝገልፁ ተለላታት ኢና እንረክብ፡፡ ትግራይን ህዝባን ከም ሓንቲ መርከብ እዩ ዝምስላ፡፡ እታ መርከብ ብሓያል ማዕበል ዝበፅሕዋ ፈተናታት ህዝቢ ትግራይ ካብ ቅድሚ ምኢቲ ዓመታት ጀሚሩ ኣብ ልዕሊኡ ዝበፅሑ ምስ ዝነበሩ ህዝቢ ከም ህዝቢ ናይ ምፅናት ፈተናታት ይነፃፀር፡፡ እዚ ኣንፃራዊ ተምሳሌት መወዳእታኡ ምስታ የማን ፀጋም እናበለትን እናተንገላትዐትን ባሕራ ከምእትሰግር ተስፋ ዝንበረላ መርከብን ጨቆንቲ ስርዓታት ብኣጥሚኻ ግዛእ ፖሊሲኦምን ካልኦት ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሽርሕታት ሰጊሩ ብዓወት መሰስ ምስ ዝብል ህዝቢ ትግራይ ይመሳሰል፡፡ “ማዕበል ይደፍእ ንሳ ትጥሕስ ማዕበል ኩልሻዕ ምስኣ” ዝብል ኣገላልፃ ድማ ኣብ ሓደ መስመርን እምነትን ዓሚሙ ዝኸይድ ህዝቢ ትግራይ ዘይድቅስሉ ፀላእቲ ለይትን ቀትርን ከጥፍእዎ ዝከኣሎም ኩሉ እንትገብሩ ኣብ ፅሩይ መስመር ትግራዋይነት ዝተሰለፈ ብመርከብ ዝተመሰለ ህዝቢ ትግራይ ግና ብበዝሒ ትንኮሳኦምን ተፃብኦታቶምን ካብ ፅኑዕ ቅዋሙ ነቕ ከምዘይብልን ስረኡ ፈተኽ ከምዘይብልን የርኢ፡፡

ህርመትን ሕብረ ዜማን ምስ ተለላ ግጥምታት ተላዕጢጡ ኣብ እዝነ ሕልናና እንትበፅሕ፣ ትግራዋይነት ብጭቆና ዘመናት ብምልክት ዓወትን ጅግንነትን ዝተለበጠ ደረትካ ነፊሕኻ ብኹርዓት ሸነን እትብለሉ ብመንፈስ ሰዓራይነት ዝተኸተበ መንነት ምዃኑ ምሉእ ስምዒት ይፈጥረልካ። ህዝቢ ትግራይ ምእንተ ወጽዓ ዝስየፍን ስለነጻነት ምስ ደቀመዛሙርቱ ባሕሪ ሰንጢቑ ዝወፅእ፣ ንዘመናት ካብ ምንጋጋ ፀላኢ ኣምሊጡ ከይኮነስ ስዒሩ ዝወፅእ ህዝቢ ምዃኑ መሊሱ የረድአካ። ትግራዋይነት ልዕሊ ኩሎም ወያነታት ዓለም ህዝብን ውድብን ርግሀን ስፈን ኮይኑ ኣብ ልቢ ተጋሩ ዝሰፍር ንከይሽርሸር ዝፀንዐ ሕላገትና ኮይኑ፣ ንፀላእቲ ካባ ሕፍረት ኣልቢስካ ናይ ምስዳድ ታሪኽ ጅግንነት ዘመናት ኮለል ኣቢሉ የርኢ።

ግዝፈትን ሓይልን ንዓወት እኹል ኣይኮነን፡፡ ኩሎም ገዘፍቲ ሓያላት ኣይኮኑን፡፡ ኩሎም ሓያላት ድማ ሰዓርቲ እዮም ኢልካ ኣይድምደምን፡፡ ዓወትን ስዕረትን ብሺሾ ሓይሊ ኣይውሰንን፡፡ መንፈስ ሰዓራይነትን ዓወትን መሰረቱ መትከላዊ ፅንዓት እዩ፡፡ ፈተኽ ዘይብል ሕራነን ቆራፅነትን ዘለዎ ትግራዋይ እውን ንኩሎም ገዘፍቲ ኢና ኢሎም ዝመፁ ሓራምዝን እምባን ዝመስሉ ሓይልታት ንህቢ ኮይኑ መቓብር ከምዘውረዶምን ትርጉም ህላወኡ ሓሲቡ መፃኢኡ እንትእምት እውን ኣብ ዘሎ ፍዚካላዊ ሓይሉ ከይኮነ ኣብ ዘይስኮን ውሽጣዊ ፅንዓቱ ከምዝኣምን

“ማዕበል ንሓይሉ ይኣምን

መርከብ ‘ቲ ፅንዓት ትውንን” ኢሉ ቅላፅኡ የዕርፈሉ፡፡

ትግራዋይነት ብዋጋ ውሑጅ ደም ተጋሩ ኢትዮጵያውነት ዝሃነፀ ቅድሚ ኢትዮጵያ ዝፍለጥን ዝፅራሕን ግርማ መጎስ ጅግንነት እዩ፡፡ ትግራዋይነት ከም ደበና ጸሓይ ኣብሪቕካ ዝሃስስን ዝተንን ብዋጭ ዋጭ ዝኽበስን ከይኮነስ ኣብ ፀልማትን ቀትርን ዘይልወጥ መመሊሱ ዝደምቕ ከም ወርቂ ብሓዊ ተፈቲኑ ዝስዕር መንነት እዩ። ጠፍአ እንትብልዎ ኩሉ ግዜ ዝህሉ፣ ኣንፃር ግፍዕን ወፅዓን “እምብለይ” ኢሉ ብፅንዓቱ ዝነብር ግን ድማ መመሊሱ ክግልብጦን ክጎብጦን ዘይድቅስ “ማዕበል እየ” ዝብል ሓይሊ ምህላዉ ወዲ ባይረ ኣብ ጥዑም ዜማኡ፡-

               “መርከብን ማዕበልን ገጢሞም

ባሕሪ ሜዳ ሰማይ ዳኛ …

ትፅንዓት ’ዩ መለለዪ ናታ

ማዕበል ዘይዓግታ፤” ኢሉ መንጉሕ ዜማኡ ሓዱሽ ምዕራፍ ይኸፍተሉ፡፡

ነዚ መመሊሱ ብስዕረት ሕፍረት ኣጎልቢቡ ዝሰዶም ኣቦ ፅንዓትን ጅግንነትን ህዝቢ፣ ከም ግመል ከቢቦም ከርዕምዎ፣ ህልውናኡን ሓይሉን ጨና ማይ ኮይኑ ኣብ ልዕሊኡ መመሊሶም “ቸቸ” ክብልዎ ዝደልዩ ሓይልታት ትምክሕትን ገዛእቲ ደርብታትን ዋላ እንተተኣኻኸቡ ዘይነፅፍ መትከላዊ ፅንዓቱን ሓድነቱን ኣሚኑ ደው ስለዝብል በዚ ከምዘይሕርብቶ ድማ፡-

“እንተሓበሩ መርከብ ብማዕበል ከጥሕሉ

እንዳተናወፀት ባሕሪ መርከብ ትቕፅል መንገዲ

ንሶም ዝሓበረ ይሕበሩ መርከብ ትቕፅል መንገዳ

ንዓኣ እሶም እንታይ ግዳ፤” ብእትብል ሓፃርን ክሽንትን ብርኪ ግጥሙ ይገልፆ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ከም ጉዕዞ እታ መርከብ ኣብቲ ብደሙ ዝሃነፆ ሓቀኛ ህዝባዊ መስመር ጉዕዞኡ ይቕፅል፡፡ መንገዱ ዝቕፅልን ዝዕንቀፍን እኽብካብ ነባሕቲ “ዉሕ” ብዝበልዎን ብዘፅቀጥዎን ቁፅሪ ዝውሰን ከይኮነ ከምታ መርከብ ዝኸደሉ ንፁር መንገዲ ኣለዎ፡፡ ነዚ ድማ ከምታ ህቦብላታት ሰጊራ እትሰግር፣ “መርከብ ንሶም ዝሓበረ ይሕበሩ መርከብ ትቕፅል መንገዳ” ዝብላ ዓይነት መርከብ ብዙሓት ማሕለኻ ነፃነት ስርዓታት ፈንፂሑ ስሙን ጅግንነቱን ኣብ ታሪኽ መዛግብቲ ዓለም ኣስፊሩ መንነቱ ኣኽቢሩ ይረአ፡፡ ነታ መርከብ ንምጥሓል ዝሓብሩ ድምር ማዕበላት ከምዘሎ ዘዘንትዉ ተለላታት ግጥሚ ህዝቢ ትግራይ ካብ ነዊሕ ዘመናት ጀሚሩ ዘይሃረስሉ ፀላእቲ ምስ ምንባሮም ዘዘንቱ ሓቀኛ ታሪኽ ይመሳሰል፡፡ እዚ ጭብጢ ናብ ታሪኽ ተመሊስና ካብ ዘመነ ንግስና ሃፀይ የውሃንስ ንርኣዮ፡፡ ነዚ መርኣዪ ዝኾነና ኣእላፍ ሰነዳት ዋላ እኳ እንተሃለዉ ኣብ ዙርያ ሽርሒ ሓይልታት ትምክሕቲ ዕምቆት ዘለዎ ትንታነ ሓሳብ ዝፀሓፉ ፀሓፊ ታሪኽ መምህር ገብረኺዳን ደስታ ዝፀሓፍዎም ፅሑፋት ተወኪሰ ነዚ ሓሳብ ከራጉደልኩም፡፡

መምህር ገብረኺዳን ደስታ፣ “ሽርሒ ሓይልታት ትምክሕቲ ካብ ትማሊ ክሳብ ሎሚ” ኣብ ዘርእስቱ  መፅሓፎም ብዙሓት መርኣዪታት እዮም ዘቐምጡ፡፡ መበገሲኦም ካብ ዘመነ ንግስና ሃፀይ ዮውሃንስ ይገብሩ፡፡ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1872 ዓ/ም፣ ሃፀይ ዮሃንስ ኣብ ቤተ ክርስትያን ፅዮን ኣክሱም ዝነገስሉ ዓመት እዩ ነይሩ፡፡ ይኹን እምበር እቲ ወቕቲ ወረርቲ ባዕዳዊ ገዛእቲ ዝነበሩ ጣልያንን ግብፅን ንሰሜን ኢትዮጵያ ዝወርሉ ዝነበሩ እዋን ስለዝነበረ ንዘመነ ንግስና ሃፀይ ዮሓንስ ፈተኒ እዋን ምንባሩ ይዝከር፡፡ ብኻልእ ኣገላልፃ ከም እምዪ ምሊልክ ከምድሌቶም ኢትዮጵያ ዝገዝእሉ ዕድል ኣይነበሮምን፡፡

ፈለማ ወራሪ ሰራዊት ግብፂ ሰሜን ኢትዮጵያ ንምቁፅፃር ኣብ ዝገበሮ ፈተነ ብሃፀይ ዩሓንስን ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋን ዝምራሕ ሰራዊት ኣብ ጎዳጉዲ፣ ጉራዕን ሰሓጢን ዝተብሃሉ ዓውደ ውግኣት ካባ ሕፍረት ኣጎልቢቡ ከምዝሰደዶ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ፡፡ ልክዕ ከም ግብፂ ንጉስ ሚኒሊክ እውን ህዝብታት ሰሜን ኢትዮጵያ ንምጥፋእን ንምብትታንን ብዝነበሮም ሰይጣናዊ ሓሳብ ምስ ወረርቲ ሓይልታት ተመሻጢሮም ሽርሒ ዝጀመሩ እውን ኣብዚ እዋን እዚ ነይሩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ሉኣላውነቱ ንምኽባር ኣንፃር ግብፂ እንትዋጋእ ሚኒሊክ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ግብፂ ኮይኖም “ኣጆኻ” በሃላይን ተዋጋኣይን ነይሮም፡፡ በዚ ከየብቀዐ ምስ ድርቡሽ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ውግእ እውን ምሽጥራዊ ሽርሒ ከምዝነበሮም ምኽንያት ሞት ሃፀይ ዮሃንስ እውን ተንኮል ንጉስ ምኒሊክ ምዃኑ ኣይተ ኣፍወርቂ ገብረየሱስ ጠቒሶም ኣብ መፅሓፎም ኣስፊሮምዎ እንትነንብብ ስቓይን ምንግልታዕን እታ ሰላማዊት መርከብ ቅድሚ ዘመናት ዝጀመረ ምዃኑ ከመይ ዘይንኣምን?

ኣብ መንጎ ትማን ሎምን ዝነበረ መቑፀሪ ዘይብሉ ንህልዉና እታ መርከብና ትግራይ ንምግልባጥን ንምስማጥን ዝነበሩ ሽርሕታት ገዛእቲ ደርብን ትምክሕተኛታትን ተዛሪብካ ዝውዳእ ኣይኮነን፡፡ ነዚ ካብ ወለዶታት እናተሓሳሰቦም ዝመፁ ውሑዳት ተጋሩ እውን ኣብ ብረታዊ ቃልሲ 17 ዓመት ብሓዊ ተፈቲኖም ወርቃዊ ጅግንነት ዝተላበሰ መስተንክራዊ ዓወት ሐዚም ምውፃኦም ካልእ ምስክር እዩ፡፡ እዚ ባና ሰላም፣ ዴሞክራስን ልምዓትን ህዝብታት ኢትዮጵያውያን ዝወለዐ ፈታኒ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሰገነት ክብርን ልዕልናን ወፂኡ ካልኦት መንግስታት ዓለም  ምምስካር እንትጅምርሉ ነቲ ትኽስ ኢሉ ዝነበረ ትምክሕተኛ ሓይሊ ድቃስ እናኸልኦ ካልኦት ዕብየት እዚ ሰሜናዊ ህዝቢ ምስ ዘይምነዩን “ሞተር ፖለቲካዊ ብልሒ እዛ ሃገር ስለዝኾነ ነዛ ሃገር ኢዳ ምጥምዛዝ ዝከኣል ንትግራዋይን ህወሓትን ምስ ኣልመስካ እዩ” ብዝብል ኣምር ጥፍኣታዊ ማሕበር መስሪቶም ንዓመታት ሰሪሖምሉ፡፡

ካብ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ጀሚሩ እታ ሰላማዊት መርከብ ክግልብጣ ዝመፅእ ሰፍ ዘይብል ማዕበል እናሓየለን ዙርያ ምላሽ እናኾነን እንትመፅእ ብትዕግስትን ፅንዓትን ጉዕዞኣ ቐፀለት፡፡ ብግልፂ ኣብ ኣደባባይ ወፂኦም “ቱርካውያን ብኩርዳውያን ክግዝኡ ክሳብ ዘይፈቐዱ፣ እስራኤላውያን ብኣዕራብ ክግዝኡ ክሳብ ዘይደለዩ፣ እንግሊዛውያን ብኣይሪሻውያን ክምርሑ ክሳብ እምቢ ዝበሉ ንሕና ኢትዮጵያውያን ክንምራሕ ኣይንፈቅድን“ ኢሎም ነጊሮምና፡፡ መበገሲ ብኽያቶም ተረዲኡና “ሓዞ ሓዞስ ለሚድናዮ፣ ካልእ እንተሃልዩኩም እምበር በለ ወዓግ” ኣይበልናዮምን፡፡ እዚ ፈኸራ ከይዱ ከይዱ ጫፍ ብልሑ ናብ መዓንጣ መን ከምዝኣቱ ዝተርድአ ትግራዋይን ውድብን ፅንዓቱን ሓድነቱን ዳግም ኣብ ህልዉናኡ ኣድሂቡ፡፡ ግን እዚ ሰላማውን ደቁ ብመስዋእቲ ገቢሩ ስርዓት ዝተኸለን ህዝቢ ኩሉ ግዜ ኣብ ዓይኒ ጠባናት ዝኣትወሉ ምኽንያት እንታይ ይኸውን እንተኢልና ኩሉ ግዜ ንጨቆንትን ገበርቲ ሓደግትን ኩናቱ መዚዙ እምብለይ ኣይግዛእን ስለዝበለ እዩ፡፡

ንሓሳረ መከራ ገፅ ዘይህብ፣ ምስ ድኽነት ዘይመሓዞ፣ ሰሪሑ ክረክብ ብፀሓይን ወርሕን ከይዱ ብርከይ ዘይብል፣  ኣብ ጥራሕ መይዳ ዘይምካሕ፣ ዘለዎ ክመቅል ኢዱ እኳስ ሰሊዑ ክህብ ንፃት እውን ዘይልገም መሰታ ሓራስ ኣድጊ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ንምንታይ ከምታ መርከብ ማዕበል ይበዝሖ ኢልና እንትንሓትት፤ ነቲ ጭቆናን ዓመፅን ሕልሞም ርእሱ ኣድኒኑ ከይተገዝአ መቓብር ስለዘእተዎምን ብፖለቲካዊ ንቕሓተ ሕልናኡ ነዛ ሃገር ከምድሌቶም በሊዖም ክጎስዑላ፣ ዓይኑ እናርኣየ ስለዘይፈቅድን እዩ፡፡ ነዚ መግዛእቲ ኣሜን ዘይትብል ሰላማዊት መርከብ ካብ ባሕሪ ገፅ ብማዕበላት ፀራሪግካ ተሳፈርታ ምፅናት፣ ንዓርሳ ኣጥሒልካ ህልናኣ ምቅባፅ መሰረት ዝገበረ ዘሎ ዘመተ የርእየና፡፡

እሞ ድኣ ነዚ ብስም ካብ ትግራዋይ ስለ ዝተፈጠርኩ ኢሉ መንነቱ ሰማይ  ዘይቑልል ብናይ እማን ንጋሻ ዘይኹርኩሕ ብሓልዮት ልግስንኡ ዝመሓለሉን ዝጠሓለሉን ህዝቢ፣ ካብ ኣርዑት ጭቆናን መግዛእትን ኣውፂኡ ኣብ ታሪኽ ዕብየትን ዘመናውነትን ዓለም ክፅርሑን ብመስዋእቲ መላምል ደቁ ኣብ ሰገነት ፅጋብን መንገዲ ልምዓትን ኣብ ክንዲ ዝሰቐለ “እዚ ዶ መተገብኦ” ኢሉ ዝሓተተ ገጣሚ ከምዚ ኢሉ ይምልስ::

“ኣቲ ዓለም ሽሉ መሲሉኪ ’ምበሪ

መሲሉኪ ’ምበሪ

ነባሪ’ዶ ኮይኑ ፀፊፉ’ዩ ባሕሪ

ፀፊፉ’ዩ ባሕሪ”

ብዝብሉ ተለላታት ግጥሚ ሓውሲ ትዕዝብቲ ዝመስል ሓሳብ ልክዓ ይነግራ፡፡ ባሕሪ፣ ፈተናን ዓፀባን ህዝቢ ትግራይ እዩ ዝውክል፡፡ ምንፃፍ ባሕሪ ምስ ዝሓለፉ ፀገማትን ወፅዓታትን ህዝቢ ትግራይ ይመሳሰል፡፡ ብድምሩ ግን ንካልኦት ትምክሕተኛ ህዝብታት “ሓቅነትን ፅንዓትን ህዝቢ ትግራይ እናፈለጥካ፣ መስዋእትን ሃሰያ ኲናትን ሓረስታይ ትግራይ እናተረድአካ፣ ጅግንነትን ሰዓራይነትን ተጋሩ እናርኣኻዮ፣ በትሪ ወያነ ትግራይ መመሊሱ ከምዘየሳጎገካ ግዜ ብዝሃበካ ፅግዕተኛ ስልጣን ኣብ ልዕሊ እዚ ፃዕራም ህዝቢ ከምዚ ምግባርካ መመዘኒኻ እምበር ክንሓልፎ ኢና” ዝብል ትርጉም ብዘለዎ ሓሳብ ስምዒት ትግራዋይ የጉስዕ፡፡ ነዚ ክሕደት እዚ ዝፍፅሙ ኣካላት ብቓልስና ዳግም ስረና ኣርኢና ዝተቓለስናሉ ስርዓት ምስተኸልና ግን “ወይለኻ” ዝብሎ ዘሎ እውን ይመስል፡፡ ካብዚ ሓሊፉ

“ወይዛ ዓለም ዓለመይ ሽሉ

ወይዛ ዓለም ሽሉ

ዘይእመን ማዕበል ኣሚናስ

ክለሀይ ትብል ኣግሪሙለይ

ተግባራ ኹሉ፤” ብምባል ንተግባር ፅግዕተኛ ሓይልታትን ነቲ ቅጥዑ ዘይተረድኦ ፖለቲካዊ ኩነታት ዘለዎ ንዕቐትን ድንግርግርን ይገልፆ፡፡ ኣብ መወዳእታ “ዘይእመን ማዕበል ኣሚናስ … ክለሀይ ትብል” ዝብል ተለላ ሓሳቡ “ዘየተሓድር ኣየማሺ” እዩ እሞ መናብርትኻን ጠበቓ ውፁዕ ህዝቢ ዝኾነ ስርዓት ህዝቢ ትግራይ ጠንጢንካ ምስ ፅግዕተኛ ሓይልታት ሓቢርካ ህዝቢ ትግራይ ምብዳል ገሪሙና ኣሎ ዝብል ትርጉም ይህበና፡፡

ኣብ መወዳእታ ተለላታት ህዝቢ ትግራይ ብዓይኒ መርፍእ ፈንፂሑ ፈተናታት ዝሓለፈ፣ ሰናይ እንትምነ ከውሒ ዝፍንፅሕ ገንበር ዝተዓድለ፣ ኣብ ቅናት ምድሪ “መዘና የብለይን” ኢሉ ብጃህራ ዘይቐይሕ፣ ብወረ ብዕራይ ወለደ ቅንጭ ዘይብል ሓፊስ ሓሞት ዝወነነ ህዝቢ ትግራይ በዚ ቅንጭ ኣይመፆን:: ለምለም ማህፀን ትግራይ ዘፍረዮ ትኩስ ሓይሊ ተፃብኦታት እናመከተ፣ ጉዕዞ ልምዓትን ዴሞክራስን እናረጋገፀ፣ ውሕስና ህዝቡ ሓልዩ ህልውና ትግራይ ከምዝረጋገፅ ብዓርሰ እምነት ይገልፆ፡፡

ሰለማዊት መርከ ብደቃ ሒዛ ትጓዓዝላ

ሰናጢቓ ማዕበል ንኽትበፅሕ ኣብቲ ድላያ

ኪድናይ ኪድናይ ኣቲ መርከብ ብኡቐፅሊ

              ማዕበል ይዕበር ረውረው ይበል ’ስኺ ህጠሪ፡፡

በሉ! ተሳፈርቲ እታ መርከብ ንሕና ኢና፡፡ ቀዘፍታ፣ ገናሕታ፣ ፀገንታን ፅንዓታን ንሕና ኢና፡፡ ህልውናና ብህልውና እታ መርከብ ይውሰን፡፡ ህልውናኣ ኣብ ትብዓትናን መንፈስ ሰዓራይነትናን ይምርኮስ፡፡ ሕሉፍ ጉዕዞኣ ስንቂ መፃኢና እዩ፡፡ ብሒላብ ርሃፅና ማዕበል ትፍንፅሕ፣ ብድልዱል ቅልፅምና ጅግንነታ ይድገም፣ ብስሙር ሓድነትና ንወለዶ ትሳገር፡፡ እዚ እንትንገብር ማዕበል ክህሉ እዩ፡፡ ማዕበል ረብሪብዎ ረውረው ክሳብ ዝብል ግን ኣንሕና ኣይንርብርብን፡፡ ዕድመ ንእስነትና ድልድል ክልተ ወለዶታት ኮይኑ ቅብብል ታሪኽ ንኽሃንፅ ሕድሪ ተቐቢልና ሕድሪ ክነቐብል ኢና፡፡ ኪነት ገድሊ ትግራይን ዜማ ወዲ ባይረን እውን ነዚ እዩ ዝሰብከና፡፡ ወድሓንኩም!

0 comments on “ባሕሪ ሜዳኣ ሰማይ ዳኝኣ – መርከብ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *